Om Kronoberg tillsammans – tigrinja

Många människor står tillsammans.

ኣብ 2015/2016 ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ሽወደን ምስ መጹ፡ ናብ ዞባ ክሮኖበሪ ዝመጹ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ሓበሬታ ዝህብ መድረኽ ኣድላይነት እንዳ ጎልሐ መጺኡ። እቲ ምሕጋዝ ክዳውንትን ጫማታትን ምእካብን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ሓበሬታ ምሃብ ነይሩ። ምምሕዳር ዞባ ክሮነበሪ kronobergtillsammans.se ዝብል መካነ መርበብ ኣቘመ። 

ድሕሪ መካነ-መርበብ kronobergtillsammans.se ኣብ 2016 ምቛማ ውርይቲ መድረኽ ሓበሬታ ንጥፈታት ንስደተኛታትን ሓደስቲ መጻእትን ክትኸውን በቒዐ።ኣብ’ዚ እዋን እዛ መካነ-መርበብ ኣስታት 20 000 ኣብ ዓመት በጻሕቲ ኣለዉዋ።

መንግሲት ምቕባልን እግሪ-ምትካልን ስደተኛታት ብዝምልከት ንዞባዊ ምምሕዳር ዕማም ሂብዎ ኣሎ። ስለ’ዚ ሰባት እግሮም ኣብ ሽወደን ንኽተኽሉ ዘድልይዎም ሓገዛትን ንጥፈታትን ብዝምልከቱ ሓበሬታታት ክንዝርግሕ ኢና። 

ምውህሃድ

ሎሚ ኣብ መካነ-መርበብና ንኣብነት ቋንቋ ሽወደንኛ ክመሃር ንዝደለየ ዝምልከቱ ዓውድታት(ኮርስታት) ሕብረተሰብ ሽወደን ከመይ ከም ዝሰርሕ ዝሕብሩ ብዙሓት ሓበሬታታት ኣለዉ።ብተወሳኺ ምስ ካልኦት ሰባት ክራኸብ ንዝደለየ ማሕበራውያን ንጥፈታት እዉን ኣለዉና።

ኣብ’ቲ መካነ-መርበብ ዘሎ ዓውደ-ኣዋርሕ ንጥፈታት ምርካብን ኣብ ማሕበረሰብኣዊ ኣስተምህሮ(ሳምሄልስ ኦሬንቴሪንግ) ምምዝጋብ  ቀሊል እዩ። ዝተፈላለያ ውድባት(ተዋሳእቲ) ኣብ’ቲ ምውህሃድ ክሳብ ክንደይ ዝኣኽሉ ስደተኛታትን ሓደስቲ መጻእትን ከም ዘለዉን ነቶም ዝምልከቶም ጒጅለታት እንታይ ዓይነት ሓገዛት ከም ዝወሃቦም ኣቲየን ስታቲስቲክስ ክርእያ ይኽእላ እየን። ወለንታውያን፡ መራኸቢ ዝኸውን ቦታ ወይ’ውን መራሕቲ ዝደልያ ውድባት ነቲ ድሌታተን ኣብ’ቲ መካነ-መርበብና ንኽዝርገሐኦ ኣብ ብኢሜል kronoberg.tillsammans@lansstyrelsen.se  ክውከሳና ይኽእላ እየን ።

ዝምከቶም ጒጅለታት:

• ሓተቲ ዑቕባ፡ ሓደስቲ መጻእትን ካልኦት እግሮም ክተኽሉ ሓገዝ ዝደልዩ ሰባትን

• በርጌሳዊ ማሕበረሰብን ንኡሳን-ዞባታትን

ምድላው ኣብ እዋን ቅልውላው ብቕልል ዝበለ ሽወደንኛ

ኣብ 2019 እቲ ምምሕዳር ዞባ ኣብ እዋን ቅልውላው ሓበሬታ ኣብ kronobergtillsammans.se ብቕልል ዝበለ ሽወደንኛን ካልኦት ቋንቋታትን ከም ዝህብ ወሲኑ ኣሎ። እቲ ኣብ እዋን ቅልውላው ዝወሃብ ሓበሬታ፡ ንኹሎም ነበርቲ ናይ’ቲ ዞባ እንተላይ ነቶም ካብ መንግስታውያን ትካላት ብሽወደንኛ ዝወሃቡ ሓበሬታታት ዝብርተዖም ሰባት ዝወሃብ እዩ።

ኣብ Kronobergtillsammans.se ገለ ቅልውላው ምስ ዘጋጥም ንኽትዳሎን ኣብ እዋን ህጹጽ ኲነታት ናብ መን ከም ትውከስ ዝሕብር መካነ-መርበብ እዩ።

ዝምከቶም ጒጅለታት:

• asylsökande, nyanlända och andra som inte behärskar svenska

• civilsamhället

• ሓተቲ ዑቕባ፡ ሓደስቲ መጻእትን ካልኦት ሽወደንኛ ዘይመልክዎ ሰባት

• በርጌሳዊ ማሕበረሰብ

ቬቭ ክሮኖበሪ

ኣብ Kronobergtillsammans.se ቬቭ ክሮኖበሪ(ቅድሚ ሕጂ ቪ ኢ ቬክሾ) ትብል ነቶም ዝምልከቶም ጒጅለታት ሓገዝ ዘበርክታ መርበብ ማሕበራትን ውድባትን ዝሓዘለት ገጽ/ኣንፊ፡ ኣላ። ኣብ’ዘን መርበባት ከም ንኡሳ-ዞባታትን፡ ምምሕዳር ዞባን ዞባ ክሮኖበርን ዝኣመሰላ ደገፍቲ ኮይነን ዝዋሳኣ ኣባላት ኣለወን። እዛ ቬቭ ክሮነበሪ ትብል ገጽ/ኣንፊ ብቐንዱ ነቶም ኣብ’ቲ መርበብ ቬቭ ክሮኖበሪ ነጢፈን ዝሳተፋ እዩ ዝምልከተን።   

ኣብ’ቲ መርበብ ነጢፈን ብዝሳተፋ ትካላት ዝወሃቡ ንጥፈታት ኣብ’ቲ ዓውደ-ኣዋርሕ ሰፊሮም ኣለው።